Fana: At a Speed of Life!

ኢራን 176 ሰባት ግዳይ ሞት ዝኾኑላ ቦይንግ 737 ብምሳኤል ወቒዓ ክትሕምሸሽ ከምዝገበረታ ኣሚና

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢራን 176 ሰባት ግዳይ ሞት ዝኾኑላ ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ዩክሬን ብምሳኤል ወቒዓ ክትሕምሸሽ ከምዝገበረታ ኣሚና።

ልዕሊ 170 ተሳፈርቲን 6 ሰራሕተኛታትን ሒዛ እናተጉዓዘት ዝነበረት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ዩክሬን፥ ኣብ ከባቢ ኣየር ኢራን ምሕምሻሻ ስዒቡ ኩሎም ተጓዓዝቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይዝከር።

ወተሃደራዊ ጦር ኢራን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እታ ኣውሮፕላን ብሄራዊ ሓላዊ ዘብዒ ኣብዮት ኢራን ኣብ ዝግልገለሉ ብፅኑዕ ክልክል ዝኾነ ከባቢ ምሕላፋ ዝዒቡ ብዝተፈጠረ ወተሃደራዊ ስሕተት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ኮነ ተባሂሉ ዘይኮነስ ብዝተፈጠረ ስሕተት ብሚሳኤል ተወቒዓ ከዝወደቐት ገሊፁ።

ንዝተፈፀመ ስሕተት ይቕሬታ በምሕታት፥ እታ ኣውሮፕላን ተወቒዓ ንክትወድቕ ሓላፍነት ዝወሰዱ ኣካላት ተሓተትቲ ከምዝግበሩ ድማ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እታ ነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን ከተማ ቴህራን ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኢማም ኪህሚኒ ምስተልዓለት ብዙሕ እንተይፀንሐት ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኢያ ተሓምሺሻ።

እቲ ሓበሬታ ዕላዊ ምስኮነ ድማ ጉጅለ መርማሪ በረራ ውሽጢ ዓዲ ከምዝተልኣኸ ተገሊፁ።

እቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ልዑል ወጥሪ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ኢራን ነታ ነፋሪት ብሚሳኤል ወቒዓ ኣውዲቓታ ኢያ ዝብል ርኢቶታት ክትነፅጎ ፀኒሓ ኢያ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.