Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ሓገዝ ስምምዕነት 31 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ሓገዝ ስምምዕነት 31 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም።

እቲ ሓገዝ ኣብዚ ሰሙን ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ዘፅቖ እንትኸውን፥ ነዚ ስዒቡ ድማ ሎሚ መዓልቲ ስነ-ስርዓት ምንባር ክታም ተኻይዱ፡፡

እቲ ስምምዕነት ድሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ፌዴሪኢ ያስሚን ወሃቢረቢን ምክትል ዳይሬክተር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዶክተር ዓብዱ ካማራ ከምዝፈረሙዎ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ድኽዳኸ ህፃናት ንምክልኻልን ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምቕራብን ዘኽእል ስምምዕነት ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ንምትግባር ዝሕግዝ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት ከምዘካትት እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዝርከባ 40 ወረዳታት ዝትግበር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.