Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብን ስምምዕነት ልቓሕ 100 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብን ስምምዕነት ልቓሕ 100 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪመን።

እት ስምምዕነት ልቓሕ፥ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ኣቦ መንበር ትካል ፈንድ ልምዓት ከሊፋ ሑሴን ጃሲን ኣልኖዊስ ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈልን ቀሊል ዓይነት ልቓሕን ምዃኑ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድሽዴ ተዛሪቦም።

እቲ ልቓሕ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንምሕጋዝን ንኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ልምዓት ከምዝውዕልን እውን ኣብሆም።

ብተወሳኺ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ጀመርቲ ፈጠርቲ ስራሕ ንምብርትታዕ፣ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ንምሕጋዝ፣ ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ከምዝውዕል እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ዘርኢ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ኣብ ምጥንኻር ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ኣቦ መንበር ትካል ፈንድ ልምዓት ከሊፋ ሑሴን ጃሲን ኣልኖዊስ ብግደኦም፥ እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ሓደ ኣካል መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝበፅሑዎ ስምምዕነት ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ፈንድ ልምዓት፥ ኣብ ቀፃሊ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.