Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጃፓንን ሓገዝ ስምምዕነት ብር 490 ሚሊየን ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓመምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኢትዮጵያን ጃፓንን ሓገዝ ስምምዕነት ብር 490 ሚሊየን ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ሕመድ ሽዴን ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ማትሱናጋ ዳይሱኬን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኮቪድ-19 ሓዊሱ ኣብ ዘፈር ጥዕና ሓገዝ ንምግባርን ንመግዝኢ ኣቑሑት ሕክምና ዝውዕል ገንዘብ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ክልቲአን ከተማ ምምሕዳራት ሓዊሱ ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከባ ሆስፒታላት ዘበናዊ መሳርሒታት ክምና ብምቕራብ ስርዓት ጥዕና ንምዝማን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ማትሱናጋ ዳይሱኬ፥ እቲ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኮቪድ-19 ሓዊሱ ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝውዕል ሓገዝ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሕዚ ዝተገበረ ሓገዝ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሚኒስትር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.