Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ ጉያ ፍርቂ ማራቶን ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ ጉያ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ክሳተፉ ኢዮም።

እቲ ጉያ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ንመበል 24 ጊዘ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ምስ ኣትሌታት ኬንያን ዩጋንዳ በርቱዕ ንሕንሕ ከጋጥሞም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ንሕንሕ ዝሳተፋ ኣትሌታት ደቂ ኣንስቲዮ፥  ያለምዘርፍ የኋላው ደንሳ፣ ነፃነት ጉደታ ከበደ፣ ዘይነባ ይመር ወርቁ፣ ኣባበል የሻነህ ብርሃኔን መሰረት ጎላ ሲሳይን ኢየን።

ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ሃይለማርያም ኪሮስ ከበደው፣ ኣንዱኣምላክ በልሁ በርታ፣ ኣምደወርቅ ዋለልኝ ታደሰ፣ ጉዬ ኣዶላ ኢዳሞ ከምኡውን ልኡል ገብረስላሴ ኣለሜ ከምዝኾኑ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.