Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ካብ ቁርሶም ቀኒሶም ንተፈናቐልቲ ክበፅሑሎም ይግባእ-ምክትል ኣፈ ጉባኤ ወ/ሮ ሽታዬ ምናለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ካብ ቁርሶም ቀኒሶም ንተፈናቐልቲ ክበፅሑሎም ይግባእ ክብላ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ብት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ወ/ሮ ሽታዬ ምናለ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ወይዘሮ ሽታዬ ምናለ ሓዊሱ ሚኒስትረት ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ነይ ኣዲስ አበባ ከተማ ምምሕዳር ሓለፍቲ ስራሕንሰብ ሃፍቲን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ዘለውሉ ኩነታት ተዓዚቦም።

እቶም ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ መርሳ፣ ዋግ ኸምራ፣ ሰሜን ወሎ፣ ደቡብ ወሎ አርባዕተ ወረዳታትን ዓፋር ክልልን ተፈናቒሎም ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ዝርከቡ ዜጋታት ቁፅሮም ልዕሊ 350 ሺሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ነቶም ተፈናቐልቲ ድጋፍ ይግበር ዘሎ እኳ እንተኾነ፥ ቁፅሮም ብዙሕ ብምዃኑ ንኹሎም ምብፃሕ ከምዘይተኽኣለ ተሓቢሩ።

ሕፅረት ፅሬት መረዳእታ፣ ኣቕርቦት ምጉታት፣ ፀገማት ሕፅረት ኣቕርቦት መድሓኒት ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ስለዝኸነ እቶም ተፈናቐልቲ ዘለውዎ ኩነታት ዘሕዝን ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ሽታዬ ምናለ፥ ዝሰርሕ ኢድ ዘለዎም ዙጋታት ከምዚ እንትኾን ልቢ ከምዝሰብር ተዛሪበን።

ኢትዮጵያውያን ካብ ቁርሶም ቀኒሶም ንተፈናቐልቲ ክበፅሑሎም ይግባእ ድማ ምባለን አብኮ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.