Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብልዑል ጭቆና ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ሰብኣዊ ደገፍ ናብ ትግራይ ንከይኣቱ ይገብር ኣሎ- ካውንስል ኣትላንቲክ ማእኸል ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሓምለ፣ 2013 ( ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 20 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብልዑል ጭቆና ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ሰብኣዊ ደገፍ ናብ ትግራይ ንከይኣቱ ይገብር ኣሎ ክብላ ምክትል ዳይሬክትር ካውንስል ኣትላንቲክ ማእኸል ኣፍሪካ ብሮንዊን ብሩተን ገሊፀን።

ብሮንዊን ብሩተን፥ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰብኣዊ ደገፍ ምትዕንቓፍ ንከጋጥሞ ዝገበረ ኣሸባሪ ህወሓት ኢዩ ኢለን።

መነግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ብዘይምቕባል እቲ ኣሸባሪ ውድብ ኣብ ኲናት ከምዝርከብ ኣፍሊጠን።

ሰብኣዊ ደገፍ ናብ ትግራይ ንከይኣቱ ይገብር ከምዘሎ እውን ተዛሪበን።

እተን ምክትል ዳይሬክተር፥ “ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እቲ ውድብ ብዝገበሮ መጥቃዕቲ ዜጋታት ተመዛቢሎም ኢዮም” ኢለን።

ኢትዮጵያ ብልዑል ጭቆና ንኣስታት 30 ዓመታት ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት፥ ከይዲ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምፅኡ ክልል ትግራይ ብምምሕዳር ምልዕዓል ኲናት እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ከምዝሰንዘረ ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ ብምጥንኻር ዳግማይ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ኲናት ከምዝጀመረ ኣመልኪተን።

መንግስቲ ፌዴራል ነዚ ስዒቡ ናብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝኣተወ ምግላፀን ንቢቢሲ ብምጥቃስ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.