Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣለዉ ኣብ ዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣድላዪ ምፅራይ ክትገብር ኢያ-ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣለዉ ኣብ ዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣድላዪ ምፅራይ ክትገብር ኢያ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ መበል 46 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ወሲባዊ ትንኮሳ ሓዊሱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናይ መንግስቲ ልዑል ትኹረት ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኣለዉ ኣብ ዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣድላዪ ምፅራይ ብምግባር ተሳቲፎም ኢዮም ዝበሃሉ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር ድልዊ ከምዝኾነ ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ገለልተኛ፣ ተኣማኒን ውፅኢታዊን ትካል ሰብኣዊ መሰል ከምዘለዋ ሓቢሮም።

መንግስቲ እቲ ኮሚሽን ዘቕርቦም ምክረ ሓሳባት ብምትግባር ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንምምሕያሽ ድልዊ ከምዚኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ 92 ማእኸላት መከፋፈልቲ ምግቢ ተጣይሸን ደገፍ ንዘድሊዮም ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ ይከፋፈል ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.