Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዶብ ምስ ሱዳን ክትደራደር ትኽእል መጀመርታ ሓይሊ ሱዳን ዝሓዞ መሬት እንትለቅቕ ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዶብ ምስ ሱዳን ክትደራደር ትኽእል መጀመርታ ሓይሊ ሱዳን ዝሓዞ መሬት እንትለቅቕ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ሳምንታዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ምስ ብሄራዊ ረብሓ ዝተተሓሓዙ፣ ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ዝምልከቱ ዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ ተግባራት ትኹረት ገይሮም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ውጥጥ ንሽምግልናን ድርድር ዝደሊዩ ወገናት “ነመስግኖም” ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና፥ እቲ ድርድር ክጅመር ዝኽእል ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ካብ መሬት ኢትዮጵያ እንትለቅቕ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.