Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ካብ ዓውዲ ማሪታይም ክትረኽቦ ዝግባኣ ከምዘይትረክብ ዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ለዕሊ 90 ሚኢታዊ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ብዓውዲ ማሪታይም  እተሳልጥ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዝግባኣ ከምዘይትረክብ ዘላ ተገሊፁ።

በዓል መዚ ጉዳይ ማሪታይም ኢትዮጵያ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብምትሕብባር ኣብ ብሉ ኢኮኖሚ ስትራቴጂ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ኣሰናዲኡ።

እቲ መድረኽ ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት ክብ ንምባልን ኣብ ዓውዲ ማሪታይም ዝለዓለ ኣፈፃፅማ ንክህሉን ዓሊሙ ዝተዳለወ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ኣድላይነት ዝርዝር ዕላማታት ብሉ ኢኮኖሚ ስትራቴጂን ኣፈፃፅማን ብምቕራብ ዘተ ተገይሩሉ።

በዓል መዚ ጉዳይ ማሪታይም ኢትዮጵያ፥ ስትራቴጂ ብሉ ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ካብቲ ስትራቴጂ ዝተቐድሐ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ብምድላው ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ገሊፁ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.