Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ምንቅስቓስ ለውጢ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ምብፃሕ ናይ ኩላትና ታሪኻዊ ሓላፍነት ኢዩ-ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ምንቅስቓስ ለውጢ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ምብፃሕ ናይ ኩላትና ታሪኻዊ ሓላፍነት ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

መድረኽ ብሄራዊ ዘተን ህንፀት ሰላምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ኣይተ ኣለማየሁ እጅጉ፥ እቲ መድረኽ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ዝልለይሉን ናይ ሓባር ዝኾኑ ዛዕባታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል መገዲ ዘመዓራርን ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ሐዚ ዘሎ ኣድልዎ ብቅንዕና፣ ማዕርነትን ዜጋታት ብዘኽበረ መገዲን ምግልጋል ዕለታዊ ተግባር ንክኸውን ዘኽእል ኣተሓሳስባ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባን ወረዳንይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.