Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ዝኾነ መሰል ምጥቃም ማይ ኣባይ ዝኽልክል ዝኾነ ይኹን ዓይነት ስምምዕነት ኣይትፍርምን – ሚኒስቴር ማይ፣ መሰኖን ኢነርጂን

ኣዲስ አኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)- ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝግበር ድርድር ዝቕፅለሉ ኩነታት ብዝምልከት ንምዝታይ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢን ምንስቴራት ማይን ብሓባር ብምዃነወ ዝተገበረ ኣኽባ ግብፅን ሱዳንን  ዕንቅፋት ኮይነን ክብል ሚኒስቴር ማይ፣ መሰኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኩለን ሓገራት ከይተስማምዓ እቲ ግድብ ክምላእ ኣይብሉን ዝብል ዝቐርብ ቅዋም መሰረት ሕጊ ከምዘይብሉ እውን ገሊፁ።

ኣመላልኣ እቲ ግድብን ተመሳሰልቲ ዛዕባታት ዛሳድዳ ማይን ብዝምልከት ዝግበር ስርዓት ንምስምማዕ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ድልውቲ እንተኾነት እውን ግብፅን ሱዳንን እቲ ዝግበር ድርድርን ውፅኢትን ብፅሒት ማይ ኢትዮጵያዝግድብን ኣለና ዝብልኡ ክፍፍል ማይ ዘጠንክርን ኣገዳዲ ስምምዕነት እንተዘየተገይሩ ዝብል ገታር ቅዋም ከምዝሓዛ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ዝኾነ መሰል ምጥቃም ማይ ኣባይ ዝኽልክል ዝኾነ ይኹን ዓይነት ስምምዕነት ኣይትፍርምን ክብል ሚኒስቴር ማይ፣ መሰኖን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.