Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ሓገዝ ንምግባር ዘኽእል መተኣኻኸቢ እቶት ናይ ስልኪ መልእኽቲ 444 ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ሓገዝ ንምግባር ዘኽእል መተኣኻኸቢ እቶት ናይ ስልኪ መልእኽቲ 444 ዕላዊ ገይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዙ ቀረባት ኣቑሑትን ገንዘብን ንምግባር ብሄራዊ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ እቶት ኣጣይሾም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ክሳተፉሉ ዝኽእሉ ሜላ መተኣኻኸቢ እቶት ናይ ስልኪ መልእኽቲ 444 ዕላዊ ምግባሩ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ድማ፦

ን ብር 1 – A

ን ብር 15 – B

ን ብር 10 – C

ን ብር 25 – D

ን ብር 50 – E

ን ብር 100 – F

ን ብር 300 – G

ን ብር 500 – H

ን ብር 1000 – J

ናብ 444 ብምልኣ ሓገዝ ምግባር ምግባር ከምዝከኣል ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.