Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ-ቴሌኮም ን4 ሺሕ ተምሃሮ ዩንቨርስቲታት ሓገዝ ገንዘብ ክገብር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ን4 ሺሕ ተምሃሮ ዩንቨርስቲታት ሓገዝ ገንዘብ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል በቢዓመቱ 16 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ነቶም ተምሃሮ በቢወርሑ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ ኣሎ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ ከምዝበልኡ፥ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዘለዋ ዩንቨርስቲታት ንዘለዉ ዝተፀገሙ ተምሃሮ ዝውዕል ኢዩ።

ኢትዮ-ቴሌኮም ንተምሃሮ ዩንቨርስቲ ዝገብሮ ደገፍ ገንዘብ ኣብ 2006 ዓ.ም ዝጀመሮ እንትኸውን፥ ካብ መወዳእታ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ 13 ዩንቨርስቲታት ንዘለዉ 840 ተምሃሮ ሓገዝ እናገበረ ከምዝመፅአ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.