Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 22 ነጥቢ 04 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2012 ዓ.ም 22 ነጥቢ 04 ቢሊየን ብር ሓፈሻዊ እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተረኸበ እቶት ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ32 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣለዎ።

ብተወሳኺ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ዘምፅኡ ኣገልግሎታት 73 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ብድመር እቲ ዝተረኸበ እቶት፥ ካብ ኣገልግሎት ድምፂ ሞባይል 50 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ፣ ካብ ዳታን ኢንተርኔትን 27 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ፣ ካብ ዓለም ለኻዊ ንግዲ 9 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ፣ ክብሪ(እሴት) ካብ ዝውስኹ ኣገልግሎታት 8 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ካብ ካልኦት ኣገልግሎታት 3 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተዘሪቡ።

ኣብቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፥ በዝሒ ተጠቀምቲ 45 ነጥቢ 6 ሚሊየን ከምዝገፅሐ ተገሊፁ።

ብዓይነት ኣገልግሎት ድማ፥ ልዕሊ 44 ሚሊየን ተረባሕቲ ሞባይል ድምፂ፣ 22 ነጥቢ 74 ሚሊየን ተጠቀምቲ ዳታን ኢንተርኔትን፣ ልዕል 1 ሚሊየን ተጠቀምቲ ስሩዕ ስልኪ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.