Fana: At a Speed of Life!

ኢንስቲትዩት ስፔስ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ካብ ሳትላይት ዝርከቡ ሓበሬታታት ብግቡእ ኣብ ስራሕ ንኸውዕል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ስፔስ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ካብ ሳትላይት ዝርከቡ ሓበሬታታት ብግቡእ ኣብ ስራሕ ከውዕል ከምዝግባእ ባይቶ ወከልቲ ሀህዝቢ ኣተሓሳሲቡ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጂን እቲ ባይቶ፥ ምንቅስቓስ ስራሕቲ እቲ ኢንስቲትዩት ንምግምጋም ምልከታ መስክ ኣካይዱ፡፡

እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ሳትላይት ዝርከቡ ብፍላይ ተደኺሙሎም ንሃገር ረብሓ ዘለዎም ሓበሬታታት ዘዕግብ ዘዕግብ ስራሕ ብዘይምስርሑ ናብ ጭቡጥ ተግባር እናተቐየሩ ከምዘይኮኑ ኣካቢት እተ ቀዋሚ ኮሚቴ ወይዘሮ እምየ ቢተው ተዛሪበን፡፡

ስፔስ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንሃገር ዘለዎ ረብሓ ብዝምልከት ብመንፅር ንማሕበረሰብ ኣብ ምፍላጥ ክፍተት ከምዘለዎ ኣልዒለን፡፡

ዓቕሚ ሰብ ሞያታትን ተመደራመርቲን ንምህናፅን ረብሐኦም ንምሕላው እቲ ኣመራርሓ ብቆራፅነት ክሰርሕ ከምዝግባእ እውን እቲ ኮሚቴ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ኣብዲሳ ይልማ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ካብ ኣፍሪካ ሳትላይት ዘወንጨፈት ብሕታዊት ሃገር ከከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

በቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዝተልዓሉ ርእይቶታት ትኽክለኛታት ምዃኖምን ዝተፀርሑ ክፍተታት ኣብ ቀፃሊ ንምፍታሕ ከምዝሰርሑን ምግላፆም ካብ ባይቶ ወክልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.