Fana: At a Speed of Life!

ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ናብ ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዝተልኣኸ ደብዳበ ኣብፂሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ዝተልኣኸ ደብዳበ ኣብፂሖም።

በቶም ሚኒስትር ዝተልኣኸ ጉጅለ ልኡኽ ምስ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ኣብ መፃኢ ሃገራዊ መርጫ፣ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ደገፍን እግሪ ምትካልን ከምኡውን ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን በዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ብግደኦም፥ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ካብቲ ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ወሓዚ ሩባ ነክዘራረባ ኣኼባ ጉባኤ ብምፅዋዕ ንክዛተያ ሓሳብ ኣቕሪቦም።

በቶም ሚኒስትር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንመራሕቲ ሱዳንን ሩዋንዳን ዝተልኣኸ ደብዳበ ከምዘብፅሐ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድአ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.