Fana: At a Speed of Life!

ኢድና ብዝግባእ ብምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ብምጥቃምን ኮሮና ክንከላኸል ይግባእ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣  25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኢድና ብዝግባእ ብምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ብምጥቃምን ቫይረስኮሮና ክንከላኸል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብብርኪ ሃገር ቫይረስ ኮሮና ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ቅድም ኢሉ ከምዝተጀመረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ኣብ መጀመሪያ ዝነበረ ሓበራዊ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ስራሕቲ ምክልኻል ቅድም ኢሉ ምጅማሩ ምስልቻው ዝፈጠረ ይመስል ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት እቲ ቫይረስ ብልዑል ኩነታት ምልብዑ ብምሕባር ምዝንጋዕን ሸለልትነትን ምውጋድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ስለዝኾነ ኢድና ብዝግባእ ብምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ብምጥቃምን ቫይረስኮሮና ክንከላኸል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.