Fana: At a Speed of Life!

ኢጋድ ኣብ ሞቃድሾ እናተርኣየ ዝርከብ ዘይምርግጋዕ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) የምስራቅ አፍሪካ የልማት በይነ መንግስታት (ኢጋድ) ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ከተማ ሞቃድሾ እናተርኣየ ዝርከብ ዘይምርግጋዕ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊፁ፡፡

ኢጋድ ኣብ ሶማሊያ ፖለቲካዊ ምርግጋዕ ከይፍጠር ዝግበር ዕግርግር ግቡእነት ዘይብሉ ኢዩ ክብል ኮኒኑ፡፡

እናተርኣየ ዝርከብ ዘይምርግጋዕ፥ እታ ሃገር ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓደጋ ከንፀላሉ ከምዝኽእል እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብ ህንፀት ሃገር፣ እታ ሃገር ኣብ ተካይዶ መረፃን ፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ንምቅላስን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ፅዕንቶ ከሕድር ከምዝኽል ኢዩ ኣገንዚቡ ዘሎ፡፡

ኢጋድ፥ ፖለቲከኛታት ሶማሊያ ንነገራት ክብ ምብእኣስ ንህዝቢ ሶማሊያ ማእኸል ዝገበረ ሰላማዊ፣ ናፃን ተኣማኒን መረፃ ንምክያድ ልዝብ ክገብሩ ፀዊዑ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.