Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ትምህርቲን ሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ክልላትን ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ትምህርቲ ኣድሂቦም ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ትምህርቲን ሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ክልላትን ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ትምህርቲ ኣድሂቦም እናተዛተዩ ምዃኖም ተገሊፁ።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ቀፃሊ ኣንፈት ኩነታት ትምህርቲ ብዝምልከት ውሳነ ከሕልፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ስሩዕ ትምህርቲ ዝጅመረሉ መዓልቲ፣ ሃገራዊን ክልላዊን ፈተና 8ይን 12 ክፍሊን ዝወሃበሉ መዓልቲ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ትምህርቲ ውልቀ ዝቐርቡ ዘለዉ ቅርታታት ውሳነ ካብ ሞንጎ ዝመሓላለፈሎም ዛዕባታት ገሊኦም ኢዮም።

ብተወሳኺ ከይዲን ኩነታትን ምድላው ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብቲ ዘተ ተገምጊሙ ውሳነ ክወሃበሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣወሃህባን ኣፈፃፅማን ትምህርቲ ንበፃሓት እውን ኣብቲ ዘተ ውሳነ ካብ ዝወሃቦም ጉዳያት ሓደ ኢዩ።

ኣብቲ ዘተ ዝብፃሕ ውሳነ ድማ ፅባሕ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.