Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልልን ኣብ’ዛ ሃገር ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲን ብዝምልከት ገምጊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣  7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልልት እዛ ሃገር ጉድኣት ዘብፅሐ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲን ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ገምጊሞም።

ኣብ’ቲ መድረኽ ገምጋም፥ ልዑል ምዕልቕላቕ ውሑጅ እንተጋጠመ እውን ምንም ዓይነት ሕልፈት ህይወት ሰብ ዘይምስዓቡ ከምእወንታ ተገምጊሙ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምርካብ ኣድላዪ ድጋፍ ምግባሩ እውን ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ብተኸታታሊ ኣብ ዝተገበተ ዘተ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ዝግበሩ ሓገዛት ሓዊሱ ኣብ ኣብዝሓ ዛዕባታት ቀፀልቲ ኣንፈታት ከምዝተቐመጠ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ሓልሓሊፉ ዘጋጥሙን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ዘብፅሑ ዘለዉ ፀገማት ፀፅታ ብዝምልከት እውን ዘተ ከምዝተገበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ኣብ ዝፀሓፍዎ ሓበሬታ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝፍጠሩ ዘለዉ ፀገማት፥ ጉዕዞ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ባህጊ ብዘለዎም ጉጅለታት ዝተዋደዱ ኢዮም ተባሂሎም።

ስለዝኾነ ኣብቶም ጎንፂታት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኩሎም ብሕጊ ተሓተቲ ንምግባር ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ተልእኾ ከምዝተውሃቦ ተገሊፁ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝተዓገቱ 29 ሰባት ክስደዱ ንዝገበሩ ኣካላት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.