Fana: At a Speed of Life!

ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብቫይረስኮሮና ህይወቶም ስኢኖም

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 17፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም ሰለስተ በፂሑ።

ካብዚኦም በዓል ሞያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣማኻሪ ፕሬዚዳንትን ጂን ጆሴፍ ሙከንዲ ዋ ሙሉምባ ሓደ እዮም።

ሙሉምባ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ፌሊክስ ቴሼኬዲ ብምዃን ይሰርሑ ነይሮም።

ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ወሳኒ ሰብ ዝበሃሉ አውን ኢዮም።

ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 48 ኢዮም።

ነዚ ስዒቡ ኩሎም ዶባት እታ ሃገር ክዕፀው፣ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ድማ ምስ ካልኦት ከባቢታት ዘለዋ ርክብ ክተቋርፅ ብሰኑይ ፕሬዚዳንት ፌሊክስ  ውሳነ ምሕላፎም ይዝከር።

ብተመሳሳሊ፡ ዋና ሓጋዚ ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ኣለዉ።

እቶም የማናይ ኢድ መሓመድ ሁሃሪ ዝኾኑ ኣባ ክያሪ፥ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከቡ ኢዮም።

ኣባ ክያሪ ንውልቆም ብምውሻብ ምርመራ ክግበረሎም ብዘይምፅንሑ፥ ብውሑድ 16 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምስኦም ምትንኻፍ ከም ዝነበሮም ተሓቢሩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.