Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ንህፁፅ እዋን ዝውዕል ሓገዝ 181 ሚሊየን ዶላር ድጋፍ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ንህፁፅ እዋን ዝውዕል ሓገዝ 181 ሚሊየን ዶላር ድጋፍ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ህፁፅ ሓገዝ ንዘድሊዮም 3 ሚሊየን ዜጋታት ከምዝውዕል እውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ፡፡

ምግቢ፣ ፅሩይ መስተ ማይ፣ መፅለሊን ኣገልግሎጥ ጥዕናን ሓዊሱ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንምቕራብ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ሓላፊት ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ሳማንታ ፖወር ገሊፀን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንሓረስቶት ዝኸውን ዘርኢን ዘበናዊ ዱኽዒን ሓዊሱ እታወት ሕርሻ ንምቕራብ ከምዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ሓገዝ ካብ ማሕበራዊን ስነ-ልቦናዊን ፅዕንቶ ንምንጋፍ ኣብ ዝግበር ፕሮግራም ከምዝውዕል እውን ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.