Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ዮናስ ዮሴፍ መቐመጢኡ ኣብ ታንዛኒያ ምስ ዝገበረ ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ጂኦ ሳይንስን መዓድንን ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ዮናስ ዮሴፍ መቐመጢኡ ኣብ ታንዛኒያ ዳሬሰላም ምስ ዝገበረ ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ጂኦ ሳይንስን መዓድንን ኣፍሪካ ኢብራሂም ሻዳድ ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ነቲ ማእኸል ዘለዋ ድጋፍን ካብቲ ማእኸል ብዝበለፀ ተረባሒት ንምግባር ዘለዋ ድሌት ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም እውን ገለፃ ገይሮም።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ማእኸል ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣባል ሃገር መስረትቲ ስለዝኾነትን ክልተ ኢትጵያውያን ሰብ ሞያታት ነቲ ማእኸል ናይ ምምራሕ ዕድል ረኺቦም ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ነቲ ማእኸል ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ንኽትቅፅል እውን ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ዮናስ ካብ ዝገበሩዎ ዘተ ብተወሳኺ ኣብቲ ማእኸል እውን ዑደት ገይሮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.