Fana: At a Speed of Life!

ኣባላትን ኣመራርሓን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ “የነጩ ፖስታ ጎርፍ ለነጩ ቤተመንግስት” ምንቕናቕ ተሳቲፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላትን ኣመራርሓን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ “የነጩ ፖስታ ጎርፍ ለነጩ ቤተመንግስት” ምንቕናቕ ተሳቲፎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያን ከፍርሳ ኢየ ኢሉ ብምልዓልን  ህፃናት ሓዊሱ ብምስታፍን ብዝኸፈቶ ጦርነት ብዙሓት ሰብዓዊን  ቁሳዊን ጉድኣት ብምብፃሕ፣ ብዙሓት ዜጋታት ብምፍንቓል ጉድኣት ኣብፂሑ ኢዩ።

ይኹን እንበር ማሕበረሰብ ዓለምን መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢን ነቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክንዲ ምውጋዝ ብዝተሰሓሓተን ንሓቂ ብዘይ ኣገናዘበን መገዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምግባር ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ፖሊስ ኣዲስ አበባ ኣዘኻኺሩ፡፡

ስለዝኸነ ኣባላትን ኣመራርሓን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ “የነጩ ፖስታ ጎርፍ ለነጩ ቤተመንግስት” ምንቕናቕ ተሳቲፎም ኣለዉ።

እዚ ድማ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደንን ካቢኔኦምን ናይ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዕላማ ን መንቅሳቓስን ብግልፂ ተረዲኦም ነቲ  ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተሓታቲ ንክገብሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ፀቕጢ ደው ንምባል ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.