Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ሰሙን 15 ተለኣኣኽቲ ጁንታ ናብ ሃገርና ኣይንኸድን ብምባል ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጁባ ህውከት ንምፍጣር ፈቲኖም-ሜ/ጄ መሓመድ ተሰማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ኣብ ጁባ ዝርከብ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም መበል 15 ሞተራይዝድ ፃንሒቱ ንዝዛዘመ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ምቕያር እናሎ 15 ኣባላት እቲ ሰራዊት ተለኣኣኽቲ ጁንታ ናብ ሃገርና ኣይንኸድን ብምባል ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጁባ ህውከት ንምፍጣር ፈቲኖም ኢዮም ክብሉ ዳይሬክተር ዋና ዳይሬክቶሬት ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜ/ጄ መሓመድ ተሰማ ገሊፆም።

እቶም ቁፃራት ጁንታ እወንታዊ ስምን ዝናን ሃገርናን ሰራዊትናን ንምብልሻው፣ ኣብ ዩኤን ዝተፈላለዩ ቦታታት ተቖፂሮም ዝሰርሑ ኣባላት እቲ ሰራዊት UNHCR ዝተብሃለ ግብረ ሰናይ ትካል ሽፋን ሚዲያ ንክረክብ ብምግባር እቲ ጉዳይ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንክፈልጦ ንምግባር ከምዝተፈተነ፣ በዚእውን UNHCR ንማሕበረሰብ ዓለም ዘመሓላለፎ ፀብፃብ ዘይግቡእ ከምዝኾነ ብምግላፅ ይቕሬታ ክሓትት ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብዚ ሐዚ  እዋን ተረፍመረፍ ጁንታ ሃዲኑ ንምሓዝ ብልዑል ወነ ይሰርሕ ኣብ ዘለሉ እዋን ብውልቀ ሰባት ከምዚ ዓይነት ተግባር ምፍፃሙ ንሰራዊትና ኣይውክልን ኢሎም።

እቶም ኣባላት ሰራዊት ንኻልኦት ዘይውክሉ ከምዝኾኑን ዘሕፍር ተግባር ዝፈፀሙ ከምዝኾኑን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.