Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ብሰንኪ ፖሎቲካዊ ኣፈላላይ ዝተበተነ ሓዳር 10 ዓመት

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ህንዲ፡ ልዕሊ 10 ዓመት ዝገበረ ሓዳር ክልተ ፖሎቲከኛታት፡ ሰበይቲ ናብ መቐናቐንቲ ሰልፊ ብምጽንባራ ናብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣባል ባይቶ ናይ’ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዝምራሕ ሰልፊ ‘በሃራትያ ጃንታ ሂንዱ’ ዝኾነ ሱሚትራ ክሃን፡ ሰበይቱ ሲጃታ ሞነዳለ ክሃን ናብ ተቓዋሚ ሰልፊ ብምጽንባራ ናይ ፍትሕ ወረቐት ከምዝልእኸላ ኣፍሊጡ።

ወዲ 40 ዓመት ዝኾነ ሱሚትራ ክሃን፡ ሰበይቱ ናብ’ቲ ሰልፊ ምስ ተጸንበረት፡ ንብዓቱን ሕርቃኑን እንዳተቆጻጸረ፡ ናይ 10 ዓመት ሓዳር ክበትኮ’የ ክብል ንሰበይቱ ኣጠንቂቑ።

ንሳ ብወገና፡ ሰልፊ በሃራትያ ጃንታ ሂንዱ ዝኾነ ክብረት ከምዘይህብዋን ካብ ካልኦት ሰልፍታት ብብልሽውና ንዝኽሰሱሱ ሰባት ከምዝቕበሉን ብምግላጽ፡ ናብ’ቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ከምዝተጸንበረት ኣፍሊጣ።

በዚ ምኽንያት ዝተላዕለ ጸገም ድማ፡ ሰብኣያ ”በጃኺ ነቲ ካሃን ዝብል ሽመይ ካብ ምጥቃምን፡ ሰብኣየ እዩ ኢልኪ ንካልኦት ሰባት ካብ ምንጋር’ውን ተቖጠቢ” ክብል ተማሕጺንዋ።

ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ ክሃን ንሰበይቱ ሲጃታ ሞነዳለ ክሃን ”ፖሎቲካዊ ዕጫኺ ክትክተሊ ምሉእ ናጽነት ሂበኪ” ኣሎኹ ከምዝበላ’ውን ኣቓሊሐን።

ንሓዳረይ ኣዕኒኽዮ ክብል’ውን ከሲስዋ። ነቲ ዝተጸንበረቶ ሰልፊ’ውን፡ ”ሰበይተይ ፍቕረይን ሰሪቖምለይ” ኢልዎም።

ነዚ ተርእዮ ዝከታተሉ፡ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ሓደር ድራማ ኣብ ቴሌቨዥናት ህንዲ ተራእዮ ኣይፈልጥን ክብሉ ይገልጽዎ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ ክልቲኦም ንቡዙሓት ሜድያታት እታ ሃገር ቃለ-መሕተት ሂቦም ኣለው።

ክሃን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘሃቦ መብርሂ፡ ”ፍቕረይን ንፍዕቲ ሰበይትን እያ ነይራ። ንሳ ጥራሕ’ያ ድኽመተይ ነይራ። ኣብ ስምዒት እየ ዘሎኹ፡ ንዓሰርተ ዓመት ብሓንሰብ ነይርና” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን ሓዳሮም ከምዘብዐቐን ምስኣ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉን’ውን ሓቢሩ።

ሕንቕንቕ እናበለ፡ ”ሱጃታ ነዓይ ኣይኮነትን፡ ተቐቢለዮ ክነብር ኣለኒ” ኢሉ።

ሰበይቱ ሲጃታ ሞነዳለ ክሃን ብወገና፡ ኣብ እዋን ቃለ መሕተት ብኽያት ከምዝሰዓራን ”ንዓሰርተ ዓመት ሰብኣየይ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይሃበንን ክትብል” ከሲሳቶ።

”ንሱ ምስ ፖሎቲካ ሓርኰትኰት ክብል ነዓይ ዝኸውን ግዜ ኣይነበሮን። ንኣዋርሕ በሊዕኪ ዲኺ ከመይ ደቒስኪ ኢሉ ሓቲቱኒ ኣይፈልጥን” ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ህንዲ ካብ ሓደ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ናብ ካልእ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ምስግጋር ዳርጋ ልሙድ እዩ።

ሲጃታ ሞነዳለ ክሃን፡ ሰልፊ በሃራትያ ጃንታ ሂንዱ፡ ‘ሰብኣየይ ንክገድፈኒ ይደፍእዎ ኣለዉ’ ክትብል’ውን ሓቢራ።

ፖሎቲካን ሓዳርን ክፈልዩ ከምዘለዎምን፡ ሓደር ክብትኑ ከምዘይለብሎምን ድማ ተዛሪባ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.