Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ዝተወለዐ ዓሌት ቫይረስኮሮና ዓለም ለኸ ስግኣት ኢዩ – ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም የዓለም ኣብ ህንዲ ዝተወለዐ ዓሌት ቫይረስኮሮና ዓለም ለኸ ስግኣት ኢዩ ክብል ወሲኑ።

እቲ ትካል ቢ.1.617 ዝተብሃለ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ካብ ካልኦት ዓሌታት ንላዕሊ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ከምዝኾነ ብዝገበሮ መፅናዕቲ ዘረጋገፀ እንትኸውን፥ ካልኦት መፅናዕቲታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ዓሌት ቫይረስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 30 ሃገራት ከምዝተዘርገሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ ኢዩ፡፡

ኣብ እንግሊዝ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ብራዚነ,ልን ዝተርኣዩ ካልኦት ዓሌታት እቲ ሓዱሽ ቫይረስ ተመሳሳሊ ስያመ ተዋሂቡዎም ኣሎ፡፡

ኣብ ህንዲ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም እናሓለፈ ዝርከብን በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ዘለዉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባትን ብምኽንያት እቲ ሓዱሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ምዃንን ዘይምዃኑን መፅናዕቲ እናተገበረ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብታ ሃገር ልዕሊ 22 ሚሊየን 900 ሺሕን ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፥ ልዕሊ 250 ሺሕ ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲን ዎርልድ ኦ ሜትርን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.