Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞጣ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ኣይተዋፅኡን ዝተብሃሉ ኣመራርሓታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሞጣ ኣብ ልዕሊ ቤተ እምነታት ምስ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ተተሓሒዙ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምብራቓዊ ዞባ ጎጃም ምምሕዳር ከተማ ሞጣ፥ ኣብ ልዕሊ መስጊዳት፣ ኣበያተ ክርስትያንን ሹቓትን መጣቐዕቲ ምፍፃሙን ናውቲ ከምዝተሰረቑን ይፍለጥ።

ነቲ ተግባር ስዒቡ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ብዘይምውፀኦም ዝተጠርጠሩ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ምውዓሎም ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ምብራቓዊ ዞባ ጎጃም ዋና ኢንስፔክተር ኣያልነህ ተስፋዬ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ፥ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ሞጣ፣ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ፖሊስ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻን ሓላፊ ቁፅፅር ምውፋር ሚሊሻን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ፥ ኣብቲ እዋን ግቡእ ኣዋፊሮም ሂቦም ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ምስራሕ እናኸኣሉ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ብዘይምውፀኦም ዝተጠርጠሩ ምዃኖም ኣብመድ ፀብፂቡ።

ምስቲ ፍፃመ ተተሓሒዙ 33 ተጠርጠርቲ ኣብ ቆፀሮ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ 35 ተጠርጠርቲ ድማ ተታሒዞም ምፅራይ እናተገበረሎም ከምዝኾነን ብዋሕስ ከምዝተለቐቑን ተገሊፁ።

ጋና ቃሎም ዘይሃቡ ኣብ ፖሊስ ጣቢያ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ከምዘለዉ እውን ተሓቡሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.