Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኦነግ ሸኔ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ልዑል ሓገዝን ምትሕብባርን ህዝቢ ከምዘሎ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኦነግ ሸኔ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ልዑል ሓገዝን ምትሕብባርን ህዝቢ ከምዘሎ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኮሚሽነር ጀነራል ኣራርሳ መርዳሳ ገሊፆም።

ሓይሊ ፖሊስ እቲ ክልል ምስ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌዴራልን ብምውዳድ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝተጠናኸረ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ከም ገለፃ እቶም ኮሚሽነር፥ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓይሊ ጥፍኣት ኦነግ ሸኔ ንምቁፅፃር ጥንኩር ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ተሰሪሑ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ክልል ዝሐሸ ሰላም ክህሉ ምግባር ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ ሕዚ እውን ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታትን ወረዳታትን ዝተዓጠቑ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ስለዘለዉ ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

ጉጅለ ዕጡቕ ኦነግ ሸኔ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወሰዶ ኣረመኔያዊ መጥቃዕቲ፥ ኣብ ዝሓል 40 ዓመታት ጨካናት ዝበሃሉ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ዝበኣሰ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህዝቢ ተግባር ጭካነ እቲ ጉጅለ ብምቅዋም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሰላማዊ እናኾነኖ ከምዝርከብ እውን እቶም ኪሚሽነር ጀነራል ኣብሪሆም።

ሓይሊታት ፀፅታ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ እናወሰዶ ኣብ ዝርከብ ስጉምቲ ህዝቢ እናገበሮ ዝርከብ ምትሕብባርን ሓገዝን ዝለዓለ ከምዝኾነ መምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.