Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕል ኢትዮጵያ ንዝቐርብ ፃውዒት ጥፍኣት ብሓባር ደው እንተኢልና ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ነገር ከምዘየለ ኣይኮነን ንሕና ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይበህጉ እውን ይግንዘብዎ ኢዮም-  ቅዱስ ሲኖዶስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕል ኢትዮጵያ ንዝቐርብ ፃውዒት ጥፍኣት ብሓባር ደው እንተኢልና ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ነገር ከምዘየለ ኣይኮነን ንሕና ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይበህጉ እውን ይግንዘብዎ ኢዮም ከብል  ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።

ንምዕባለ ህዝበን ሃገርን ልዑል ተስፋ ዝተገበረሉ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዑል ብርኪ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፥ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዝተገበረ ቀዳማይ ብርኪ ምምላእ ማይ ንህዝቢ መሰረት ድምፂ ታሕጓስ ዝኾነሉ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ህዝቢ ዝተለመደ ደገፍ ብምግባር እቲ ህንፀት ከምዝዛዘም ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዘለዎ እምነት ኣፍሊጡ።

ይኹን እንበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ብምእታው፥ ህዝቢ ብገንዘቡ፣ ጉልበቱን ሞይኡን ልዑል ደገፍ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን  እቲ ግድብ ብዝምልከት ሃገራት ናብ ጎንፂን ዘይምርድዳእን ዘእቱ መልእኽቲ ብምትሕልላፎም ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤኡ እንተሎ ብዘሕዝን ኩነታት ከምዝረኣዮ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ካብ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ይኹን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝወሃብ ዘሎ ፃውዒት ጥፍኣት መተዓዛዘቢ ካብ ምዃኑ ወፃእ ሓላዊኣ ብዝኾነ እግዚኣብሄርን ብሓድነት ህዝባ ተኸቢራን ተሓሊዋን ከምእትነብር ሙሉእ እምነት ኣለና ኢሉ።

ሐዚእውን ኣብ ልዕል ኢትዮጵያ ንዝቐርብ ዘሎ ፃውዒት ጥፍኣት ብሓባር ደው እንተኢልና ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ነገር ከምዘየለ ኣይኮነን ንሕና ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይበህጉ እውን ይግንዘብዎ ኢዮም ከብል  ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መላእ መንግስታትን ሕብረተሰብን ዓለም እቲ ፀገም ብዕምቆት ክግንዘብዎ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.