Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መቐለ ንልዕሊ 25 ሽሕ ኣባይቲ ተጠቀምቲ መብራህቲ ዝገብር ፕሮጀክት ህንፀት ቀዳማይ ዙር ብምዝዛም ተመሪቐ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዙርያ መቐለ ኣብ ዝርከባ 19 ጣብያታት ዘለዉ ልዕሊ 25 ሽሕ ኣባይቲ ተጠቀምቲ ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ ዝገብር ፕሮጀክት ህንፀት ቀዳማይ ዙር ብምዝዛም ተመሪቑ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ።

እቲ ብ405 ሚልየን ብር ዝሳለጥ ዘሎ ፕሮጀክት ሎሚ ቐዳማይ ዙር ህንፀቱ ተዛዚሙ ንሸዉዓተ ጣብያታት ዝሽፍን ግልጋሎት መብራህቲ ንምሃብ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር አብርሃም በላይ ” ንዓመታት ስኣን መብራህቲ ይፅገሙ ንዝነበሩ ጣብያታት ብርሃን ክረኽቡ ምግባርና ዝላዓለ ሓጎስ ይፈጥረለይ” ኢሎም።

“ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት እናተኸታተልና ክንፅግን ኢና፤ ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት  እዉን ብግዜ የለን መትከል እናሰራሕና ሰላምን ልምዓትን ክልልና ክነረጋግፅ ኢና” ድማ ኢሎም ዶ/ር አብርሃም በላይ።

እቲ ፕሪጀክት ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምሉእ ንምሉእ ከምዝዛዘም እዩ ተገሊፁ ዘሎ ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.