Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝግበር ዘሎ ዘተ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝግበር ዘሎ ዘተ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ክሳብ ሐዚ ዝነበረ ጉዕዞን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ብዝምልከት ልዝብ ተገይሩ።

መራሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ 22 ሓምለ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፥ ዘተ ፖለቲካ ብቐፃልነት ንክግበር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ምንባሩ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ተኸታታሊ መድረኽ ዘተ ከምዘካየደ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ገሊፁ።

እቶም ዝተኻየዱ ዘተታት ብሓባር ንምግምጋም ዓሊሞም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣመራርሓ እቶም ፓርቲታት ተዛቲዮም።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ዝተደረኸ ቀፃሊ መገዲ ንምምዕርራይ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ፓርቲታት ፖለቲካ ቅድመ ሐዚ ዝተሳለጡ ዘተታት ውፅኢታዊ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ ብሄራዊ ዘተን ልዝብን ንክካየድ መንገዲ ዝፀረጉ ኢዮም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፥ እቶም መድረኻት ናብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምብፃሕ ዝተዳለዉ ኢዮም።

ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝግበር ዘሎ ዘተ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።

እቲ መድረኽ ዘተ ቀፀልቲ ዘተታት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ንምክያድ ብምስምማዕ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ዝስርሑ ስራሕቲ ብዝምልከት ክፍፍል ሓላፍነት ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.