Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ዶ/ር ደብረፅዮን ካብ መንጎ ዝተኸሰሱ 62 ተኸሰስቲ እቶም 19 ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ክሶም ብፅሑፍ ንክበፅሖም ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ መንጎ ዝተኸሰሱ 62 ተኸሰስቲ እቶም 19 ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ክሱም ብፅሑፍ ንክበፅሖም ተገይሩ።

ብመሰረት እዚ ኣይተ ስብሐት ነጋን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂምን ሓዊሱ ብገበን ሽብር ዝተኸሰሱ 19 ተኸሰስቲ ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ክሶም ብፅሑፍ ንክበፅሖም ተገይሩ።

ክልተ ተኸሰስቲ ንቤት ህንፀት ትእዛዝ እንትወሃብ ስሞም ብዘይምክታቱ ምኽኒያት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ዘይምኽኣሎም ተገሊፁ።

ፖሊስ ኣብቲ መጋባእያ ዘይተረኸቡ ዶክተር ደብረፅዮን ሓዊሱ 41 ተኸሰስቲ ንምቕራብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ከምዘፀገመሉ ነቲ መጋባእያ ኣብሪሁ።

ኣብቲ መጋባእያ ሰፊሕ መረዳእታ ሰነድ ዝቐረበ እንትኸውን፥ ዓቃቤ ሕጊ ዘየቕረቦ መረዳእታ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ክሲ ንምንባብን ዘይቀረቡ ክልተ ተኸሰስቲ ንክቐርቡ ን1 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

በብዕግስት ኣብርሃም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.