ኣብ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2027 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኳታር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ።
ኣትሌት እታለማሁ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 21 ደቒቕን 43 ሰከንድን ብምዝዛዝም እንትትዕወት÷ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት እውነ ክሳብ 5ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዘዚመ።
ብመሰረት እዚ ሙሉሃብት ፀጋ 2ይቲ፣ ዝናህ ሰንበታ 3ይቲ፣ ሚነት ኣህመድ 4ይቲ ከምኡ እውን ስንታየሁ ጥላሁን 5ይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን።
ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን ድማ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ባለው ይሁኔ 2ይ እንትወፅ÷ ምትኩ ጣፋ 3ይ ከምኡ እውን ድንቅኣለም ኣየለ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡