Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ጥዕና ምግቢ ኣዴታትን ዕሸል ሃፃናትን ዝዓለመ ወፍሪ መድረኽ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስርዓት ጥዕና ምግቢ ኣዴታትን ዕሸል ሃፃናትን ብዝበለፀ ንምምሕያ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

“ዝተጠናኸረ ሓበራዊ ፃዕሪ ንዝተመጣጠነ ልምዓት ጥዕና” ብዝብል መሪሕ ቃል ክልላዊ መድረኽ ወፍሪ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ተሳሊጡ፡፡

ዶክተር ሊያ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕና መላእ ሕብረተሰብ ንምስፋሕ ብዙሓት ተግባራት ተሰሪሖም ኢዮም፡፡

ኣብ ክልል ጋምቤላ ብዝሰልጠና በዓል ሞያ ጥዕና ዝወለዳ ኣዴታት 40 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ክታበት ህፃናት ምምሕያሽ ዘርኣየ ይኹን እምበር ሕዚ እውን ሽፋኑ ዝተሓተ ኢዩ ኢለን፡፡

ምስ ልምሰት ህፃናት ተተሓሒዙ ኣብቲ ክልል ዝበረታታዕ ውፅት ምምዝጋቡ ብምፅራሕ እቲ ፀገም ሕዚ እውን ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዝሓትት ኣገንዚበን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.