Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብገበን ክትራንን ቅትለትን ዝተጠርጠሩ 48 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ብገበን ክትራንን ቅትለትን ዝተጠርጠሩ 48 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ኮሚሽነርን ሓላፊ ዘፈር ምርመራ ገበንን እቲ ኮሚሽን ግርማ ገላን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብስም ኣባ ቶርቤ ህይወት ሰባት እንተጥፍኡ ዝነበሩ ሓይሊታት ኣብቲ ከባቢ ብዝተገበረ ተፍቲሽ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም።

እቶም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሰባት፥ ኣብ ከተማታት ቄለም ወለጋ፣ ነቀምቴ፣ ቡራዩ ንዝተፈሙ ጥፍኣታት ትእዛዝ እናተሓላለፉ ዝነበሩን ኣብቲ ተግባር ብምስታፍ ዝተጠርጠሩን ኢዮም ተባሂሉ።

መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ እኹል መረዳእታ ከምዘለዎ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.