Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰለማዊ ዜጋታት ጭካኔ ብዝተመልኦ መገዲ ህይወቶም ንክሓልፍ ኣብ ልዕሊ ዝገበረ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰለማዊ ዜጋታት ጭካኔ ብዝተመልኦ መገዲ ህይወቶም ንክሓልፍ ኣብ ልዕሊ ዝገበረ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝውሰድ መነግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ መንግስቲ ባህግታትን ሕቶን ህዝቢ ብምግንዛብ ስራሕቲ ልምዓት፣ ሰላምን ህንፀት ስርዓት ይሰርሕ ኣብ ዘለሉ እዋን ለውጢ ብምቅዋም ደው ዝበሉ ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መሰቀቒ ሓደጋ የብፅሑ ኣለዉ ኢሉ።

ሽፍታ ኦነግ ሸኔ ምስ ህወሓት ብምሽራኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣብ እዛ ሃገርን ሰላምን ምርግጋዕን ንከይህሉ ክሰርሑ ከምዝፀንሑ ብምዝኽኻር፥ ኣጀንዳታት ጎንፂ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብምድላው ብሚዲያ ብምትሕልላፍ ከምኡውን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብዝኣተዉ መሳርሒታት ኲናት ኣብ ለዕሊ ሓይሊታት ፀፅታ፣ መሓውር መንግስቲን ክፋላት ሕብረተሰብን ስጉምቲ ቅትለት ብምፍፃም ፀገማት ከጋጥሙ ከምዝፀንሑ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

በቶም ጭካነ ዝተመልኦም ተግባራት ኣብ ልዕሊ ስነልቦና ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ንክፍጠር፣ ክሰግእን ካብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ብምቑጣብ ብጥምየትን ፃምእን ንክጉዳእ ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ።

ብፍላይ ኣብ ኣንፈት ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ ዞባታት ህፃናት፣ ደቂ ኣኒስቴዮ፣ ሽማግለታትን መናእሰይን ሓዊሱ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ንክቕተሉ፣ ብሓዊ ንክባርዑ፣ ጉድኣት ኣካል ንክበፅሖምን ጉድኣት ስነ ልቦና ንክበፅሖምን ከምዝገበረ ይፍለጥ ኢዩ ኢሉ።

ልዕሊ ኹሉ ኣብ ውሽጢ ጫካ ብምዃን ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝዘዋወር ኦነግ ሸኔ፥ ሰባት ዓጊቱ ብምውሳድ ጉድኣት ከብፅሕ ከምዝፀንሐ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣካላት ፀፅታም ምምሕዳርን ብተመሳሳሊ መገዲ ናብ ጫካ ብምውሳድ ህይወቶም ብኣሰቃቒ ኩነታት ንክሓልፍ ክገብር ከምዝፀንሐ ገሊፁ።

እቲ ሽፍታ ክሳብ ሐዚ ብዝፈፀሞም ተግባራት ግብረ ራዕዲ ብዙሓት ቤተሰብ ተበቲኖም፣ ህፃናት ብዘይ ኣቦን ኣዶን ኣትሪፉ ኢዩ ብምባል፥ ሃፍቲ ህዝብን ውልቀሰባትን እውን ንክጠፍእ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ሰላም ህዝቢ ንምርግጋፅ ዘለዎ ልኡኽን ሓላፍነትን ንምውፃእ ህዝቢ ብዘሳተፈ መገዲ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ብስፍሓት ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ተለኣኣኺ ህወሓት ዝኾነ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ፥ ህዝብን መንግስቲን ብሓባር ብምዃን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ይወስድዎ ብዘለዉ ስጉምቲ ንምጥፋእ ከምዝተቓረበ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ይውሰድ ብዘሎ ስጉምቲ ኣብ ቀልቀል መቓብር ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፥ ተስፋ ስለ ዝቖረፀ ኣብ ሓደ ከባቢ ኣብ ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ መጥቃዕቲ የብፅሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ትማሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ጣቢያ ጋዋ ቀናቲ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ሽበራ ሰለማዊ ዜጋታት ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ኣብ ሓደ ስፍራ ህይወቶም ንክሓልፍ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ምስ ኣካላት ፀፅታን ምምሕዳርን ብምዃን፥ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰለማዊ ዜጋታት ጭካኔ ብዝተመልኦ መገዲ ህይወቶም ንክሓልፍ ዝገበረ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ ኣብ ዝኣተወሉ ቦታ ብምእታው ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣፍሊጡ።

ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንዝተሰውኡ ወገናት ዝተሰመዖ ሓዘን ዝገለፀ መንግስቲ እቲ ክልል፥ ንቤተሰቦም ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.