Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ እገዳ ዝተገበረሎም መናፅሂ ኢድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ መረጋገፂ ብቕዓት ዘይተውሃቦም ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ብዘይሕጋዊ መገዲ “መሐለዊ ፅሬት ኢድ ኢዩ” ብምባል ኣብ ዕዳጋ ዘቕርብዎም ፅሬድ ኢድ ዝሕለወሎም ፈሰስቲ(Hand sanitizers) ከይሽየጡ ኣጊዱ።

እቲ በዓል መዚ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ፍሪያታት ብሕጋዊ መገዲ ክፈርዩን ኣብ ዕዳጋ ክውዕሉን ዘኽእል ጊዚያዊ ፍቓድ እናሃበ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ብመሰረት ካብ ሕብረተሰብ ዝቐረበ ሓበሬታን ብዝተገበረ መፅናዕቲ ዕዳጋን ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ኣብቲ ቤት ዕዮ ከይተመዝገቡን ሕጋዊ መረጋገፂ ብቕዓት ከይተውሃቦምን ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ዕዳጋ ዘቕርብዎም ፅሬድ ኢድ ዝሕለወሎም ፈሰስቲ(Hand sanitizers) ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ካብዚ ንታሕቲ ስሞም ዝተዘርዘሩ ሳኒታይዘራት ካብ ዕዳጋ ክእከቡን ሕብረተሰብ እውን ከይጥቀመሎምን ኣጊዱ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ፦

  • Mela Sanitizer
  • Narobi Sanitizer
  • Habesha Sanitizer
  • FOM Sanitizer
  • GST Sanitizer
  • Silva Sanitizer
  • Yero Hand Sanitizer
  • Adey Hand Sanitizer
  • Abyssinia Hand Sanitiz
  • TAFF ኣልኮል ተኸልኪሎም ኣለዉ።

ሕብረተሰብ ተመሳሳልቲ ፍሪያታት ኣብ ዕዳጋ እንትርከቡ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ጣብያ ጥዕና፣ ጣቢያ ፖሊስን ነፃ መስመር ስልኪ 8482 ብምጥቃም ኣብ ፌዴራል ናብ ዝርከብ ቤት ዕዮ እቲ በዓል መዚን ሓበሬታ ክህብ ተላቢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.