Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ናይዛ ሃገር ክፍሊ  መንግስቲ ብሓላፍነት ስምዒት ዘካይዶ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ  ክሽፈን ኣይግባእን – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን  ሚኒስትር ገዳኣት ወፃኢን  ኣይተ ደመቀ  መኮንን ኣብ መበል  76  ናይ ው.ሕ.መ ጠቕላላ ጉባኤ ንምስታፍ  ኒው ዮርክ ኣሜሪካ ዝኣተዉ እንትኾኑ፤   ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሚስተር ዴቪድ ባስሌይ ተዛቲዮም።

ኣብ ሰሜን ናይዛ ሃገር ክፍሊ  መንግስቲ ብሓላፍነት ስምዒት ዘካይዶ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ብምዃኑ ክሽፈን ኣይግባእን  ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣይተ ደመቀሰብኣዊ ስግኣታት ደረጃ ብደረጃ ንምቕራፍ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብዝርዝር ዘረድኡ እንትኾኑ፤ ብተደጋጋሚ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ኣወሃህባ ዘጋጥሙ ፀገማት ኣብሪሆም።

ኣብ ክሊ ሰብዓዊ ሓገዝ ዝረኣዩ ክፍተታት ንምቕራፍ ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መንግስቲ ብምውዳድ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ውፅኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣይተ ደመቀ ምስ ቬንዙዌላ ናይ ወፃኢ ርክብ  ሚኒስትር ፌሊክስ ራሞን ፕላስሴሲያ ጎንዛሌዝ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪካዊ ርክብ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት መኺሮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.