Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሶርያ ከተማ ኢድሊብ ብተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር 18 ሰባት ንሕልፈት ተቓሊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶርያ ከተማ ኢድሊብ ብተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር 18 ሰባት ንሕልፈት ምቅለዖም ተገሊፁ።

እቲ መጣቃዕቲ ኣየር ኣብታ ከተማ ዝርከብ ማእኸል ዕዳጋን ዞባ ኢንዱስትሪን ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ።

ሪሲያን ቱርኪን ኣብቲ ከባቢ ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ድሕሪ ምስምዕመዐን ዝተፈፀመ መጣቃዕቲ ኣየር ኢዩ እውን ተባሂሉ።

ኣብቲ ስፍራ ዝንቃሰቐስ ተዓዛቢ ጉጅለ፥ እቲ መጥቃዕቲ ኣውሮፕላናት መንግስቲ ሩሲያን ሶሪያን ከምዝፈፀመኦ ገሊፁ።

ይኹን እምበር ሩሲያ ትኹን ሶሪያ ብዛዕባ እቲ ተፈፂሙ ዝተብሃለ መጥቃዕቲ ዝበለኦ ነገር የለን።

ከተማ ኢድሊብ፥ ኣብ ሶርያ ንዝንቀሳቐሱ ጉጅለ ዓመፅቲ ዋና ትሕዝቶ ምዃና ይዝረብ።

መንግስቲ ሶሪያ እውን ከተማ ኢድሊብ መሊሱ ንምቁፅፃርን ካብ ዓመፅቲ ናፃ ንምውፃእን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እናፈፀመ ይርከብ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.