Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሽልማት ኖቤል ዓውዲ ሕክምና 2021 ክልተ ተመራመርቲ ተዓወትቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሽልማት ኖቤል ዓውዲ ሕክምና ወይ ድማ ፊዚዮሎጂ 2021 ዴቪድ ጁሊየስን ኣርደም ፓታፑቲያን ዝተብሃሉ ክልተ ተመራመርቲ ብሓባር ተዓወትቲ ኮይኖም።

እቲ ውሳነ ተመሓላሊፉ ዘሎ ኣብ ናይ ትማሊ ዕለት ኢንሰትቲትዩት ካሮሊንስካ ስዊድን ብዝተሰየመ ጉባኤ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቶም ተመራመርቲ እቲ ሽልማት ክዕወቱ ዝኸኣሉ፥ ኣብ እዋን ሙቐትን ምንቅስቓስን ዝስመዐና ስምዒት ብምፍላይ ምላሽ ዝህቡ ነርቪታትን ህዋሳት ስምዒት ብምምልኻቶም ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ዴቪስ ጁሊየስ ዝተብሃለ ኣሜሪካዊ ፊዚዮሎጂስት ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ እናሰርሐ ዝርከብ ተመራማሪ እንትኸውን፥ ንሽልማት ዘብቀዖ ድማ ኣብ ነርቭ ቆርበት ዝርከብ ንሙቐት ብቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ዋህዮ ፈሊዩ ብምእንፋቱ ኢዩ፡፡

ኣርመን ኣሜሪካዊው ሞለኪውላር ባዮሎጂስትን ኒውሮ ሳይንቲስትን ኣርደም ፓታፑቲያን ድማ፥ ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ዝስመዐና ስምዒት ምላሽ ዝህቡ ኣብ ቆርበትን ውሽጣዊ ክፋል ሰውነትናን ዝርከቡ ዋህዮታት ብመፅናዕቱ ብምፍላዩ ንሽልማት ከምዝበቕዐ ተሓቢሩ፡፡

ፍልፍል፡- ሲጂቲ ኤን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.