Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ ዝወፅአ መምርሒ ተግባራዊ ኣብ ዘይገብራ ተሽከርከርቲ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተገሊፁ

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 17፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቢሮ ኮንስትራክሽን መገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ምስ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ተተሓሒዙ ከመይ ክንከላኸሎ ከምዝግባእን ኣብ ግልጋሎት መጓዓዝያ ዝተዋፈራ መኻይን ብኸመይ ግልጋሎት ክህባ ከምዘለወንን ዘድሃበ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ቢሮ ተላባዓይነትን ስግኣትን ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን መተሓላለፊ መንገድታቱን ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ከተማ ታክሲ ሸሞንተ ሰብ ጥራሕ ክፅዕና ናይቶም ዝተቐነሱ ሒሳብ እውን በቶም ሸሞንተ ተሳፈርቲ ተደሚሩ ክኽፈል ተወሲኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ባጃጅ ሓደ ሰብ ጥራሕ ክፅዕናን ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካሊእ ከተማ ዝጎዓዛ ተሸከርከርቲ ድማ ብዝተኽኣለ መጠን ተሳፈርቲ ቀኒሰን ክፅዕና ተወሲኑ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ሕድሕድ መኪና ከም ኣልኮል፣ ካልኦት ሳኒታይዘራትን ክህሉ ይግባእ ተባሂሉ።

ካብቲ ዝተውሃበ መምርሒ ወፃኢ ዝኸዳን መምርሒ ዘየኽብራን ተሸከርከርቲ ግና ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽን መገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣልማዝ ገብረፃድቕ ሓቢረን።

ኣብ ስራሕቲ ህንፃን መገድን ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታትን ትካላትን ድማ ብዝተኽኣለ መጠን ርሕቐቶም ሓልዮምን ሓይሊ ሰብ ቀኒሶምን ክሰርሑ ከምዘለዎም ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ሕብረተሰብ እውን ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ብተሽከርከርቲ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ክቕንስን ብእግርን ብሳይክልን ምጉዓዝ ከዘውትርን ከምዘለዎ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.