Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 27 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2012/13 ልዕሊ 27 ሚልየን ኩንታልእቶት ንምርካብ ይስራሕ ከም ዘሎ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ልምዓት ዝራእትን ምምሕያሽ ልሙዕነት ሓመድን ኣይተ ሰለሞን ገ/ስላሴ ከምዝበልዎ፥ ሎሚ ዓመት ከም ክልል ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ 1 ነጥቢ 3 ሚልየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ንምሽፋን ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ እዩ።

ካብዚ እቲ 1 ሚልየንን 261 ሽሕን 918 ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝራእቲ ተሸፊኑ እዩ ኢሎም።

ትግራይ ብምግቢ ዓርሳ ንኽትክእል ንዝግበር ምንቅስቓስ ንምዕዋት ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ተሓራሳይ መሬት ብዓንዲ ዝራእቲ ዝተሸፈነ እንትትከውን፥  ከም ክልል13 ሽሕ ኩንታል ሙሩፅ ዘርእን 516 ሽሕ ኩንታል ዘመናዊ ዱኽዒን ኣብ ጥቕሚ ውዕሉ እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዚ ዓመት ልዕሊ 27 ሚልየን ኩንታል እቶት ክርከብ ትፅቢት ከም ዝግበር ኣይተ ሰለሞን ሓቢሮም።

ኣብ መውዳእታ ዝናብ ክረምቲ ሎሚ ዓመት ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን ዝነበረ እንትኸውን፥ ሐዚ እናነከየ ይኸይድ ስለዘሎ ሓረስታይ ዝተረኸበት ዝናብ ንምሓዝ  ዘኽአል ስራሕቲ ዕቀባ ጠሊ ከሳልጥን ዘራእቱ ካብ ኣንበጣን ካልኦት ባልዓትን ክከላኸልን ክትትል ክገብርን እቶም ዳይሬክተር ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፥ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.