Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ንምትካል ፈልሲ ዝውዕል 25 ሺሕ ሄክታር መሬት ብ“ጂፒኤስ” ብምፍላይ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ ዘበን ኣብ እዋን ክረምቲ ንዝትከል ፈልሲ ዝውዕል 25 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዘመናዊ መሳርሒ “ጂፒኤስ” ናይ ምፍላይ ስራሕቲ ወሲኹ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝተወገኑ ቢሮ ልምዓት ገፀርን ሕርሻን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኣጠቓቕማ ልምዓት ደኒ እቲ ቢሮ ኣይተ ሙዑዝ ሃይሉ ከምዝበልዎ፥ ነቲ ፈልሲ ንምትካል ዘኽእሉ 13 ሚሊየን ጎዳጉዲ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ተዳሊዮም ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ጠሊ ንምእካብ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝፀንሑ እውን ሓቢሮም።

ነቶም ፈልሲታት ድሕሪ ተኸላ ማይ ንምስታይ ዘኽእሉ ጎዳጉዲ መዋህለሊ ማይ ናይ ምኹዓት ስራሕቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ይሳለጥ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ካብ 100 ክሳብ 600 ሺሕ ሊትሮ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎም 62 ኣናእሽተይ ጎዳጉዲ መዋህለሊ ማይ ተዃዒቶም ኣለዉ።

ልምዑነት ሓመድ እቶም ጎዳጉዲ ንክውስኽ ዘኽእሉ ባህላዊ ዱኽዒታት ናብቶም ከባቢታት ይጎዓዓዝ ከምዘሎ ድማ ኣይተ ሙዑዝ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ሎሚ ዘበን 80 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካት ዘኽእል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ካብ 15 ሰነ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ስራሕቲ ተኸላ ከምዝጅመር ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.