Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ንፀገም ዝተቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንፀገም ዝተቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ገንዘብን ሕክምናን እናተገበረ ከምዝኾነ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣቐባሊት ቃል እቲ ምምሕዳር ዶክተር ኣደዳ ሃይለስላሰ፥ እቲ ሓገዝ ብመንግስቲ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ቁፅረን ልዕሊ 1 ሺሕን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ክኾና ኢየን ዝበላ እተን ወሃቢት ቃል፥ እተን ወገናት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሽዱሽተ ማዕኸላት ጥዕና ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ካብ ሕክምና ብተወሳኺ ስልጠና ሞያ፣ ስነ-ልቦና፣ ኣገልግሎት ሕጊን ገንዘባዊ ሓገዝን ንኽረኽባ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ዶክተር ኣደዳ ኣፍሊጠን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብትሑት ዘፈር ስራሕ ንምውፋር ዝሕግዘን ሕድሕደን ካብ 5 ሺሕ ክሳብ 10 ሺሕ መበገሲ ገንዘብ እናተውሃበን ከምዝርጀከብ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.