Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣስታት 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ደገፍ ተገይሩ-ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ትግራይ መሊስካ እግሪ ንምትካል ይስራሕ ኣብ ዘሎ ከይዲ ብኲናት ንዝተጎድኡን ዝተመዛበሉን ኣስታት 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ደገፍ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥  ኣብዚ ሰሙን ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያውን ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ምስ ገህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝተዛመደ 60 ወተሃደራት ተጠርጢሮም ናብ ሕጊ ከምዝቐረቡ ተዛሪቦም።

ልዕሊ 8 ቢሊየን ብር ኢንቨስት ንዝገብር ፓርትነር ሺፕ ፎር ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ንክዋፈር ከምዝተገበረ እወን ሓቢሮም።

ኣብ ውሽጢ ፓርትነር ሺፕ ፎር ኢትዮጵያ ኣስታት 5 ትካላት ቴሌኮም ከምዝሓዘ በምግላፅ እዚ ድማ ዓብዪ ለውጢ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ትምህርቲን ግብርናን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ንልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።

ብዛዕባ ዲፕሎማሲ ኣምባሳደራትን ዜጋ ተኮር ስራሕቲን ብፍላይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብ ወፃኢ ዓዲ ንዘለዉ ዜጋታት ናይ ግንዛበ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እወን ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ 1 ሺሕን 136 ዜጋታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኣምባሳደራት፣ ሰብ መዚ መንግስቲ ፣ ኣምባሳደራት ሕቡራት ሃገራት፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣባላትን ሰብአዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ኣካላትን  ዘተ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ 70 ሚኢታዊ መሬት ንሕርሻ ድልው ከምዝተገበረን እዚ ድማ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሓገስቶት ተረባሕቲ ከመዝገብርን ገሊፆም።

ብዘቢብ ተኽላይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.