Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ተወሰኽቲ 49 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ውሽጢ 818 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ገይሮም 36 ተባዕትዮ 13 ኣንስትዮ ብድምር ኣርባዓን ትሸዓተን (49) ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቶም ክልተ  ወገናት ካብ ማሕበረሰብ ማለት ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዘይነበሮም፣ ክልተ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ክልተ ወገናት ንግልጋሎት ናብ ትካል ጥዕና ካብ ዝመፁ፣ ኣርባዕተ ወገናት ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኮይኑ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ፣ 39 ወገናት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን እዮም ተባሂሎም፡፡

ፍልፍል ተቓላዓይነትን ዝተረኸብሉ ቦታን

  • ክልተ (2) ወገናት ካብ ሸራሮ ካብ ማሕበረሰብ ኮይኖም ብዝተገበረ ዳህሳስ ናሙና ተወሲዱ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም እዮም
    • ሓደ (1) ኣብ ኣላማጣ፣ ሓደ (1) ኣብ መቐለ ብድምር ክልተ (2) ሰብ ሞያ ጥዕና ተረኺብዎም
    • ክልተ (2) ወገናት ኣብ መቐለ ንግልጋሎት ናብ ትካል ጥዕና ካብ ዝመፁ ብዝተገበረ ምርመራ ዝተረኸቡ
    • ኣርባዕተ (4) ወገናት ኣብ መቐለ ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኮይኑ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ
    • ሰለሳን ሸውዓተን (37) ወገናት ኣብ መቐለ፣ ሓደ (1) ወገን ኣብ ኣላማጣ፣ ሓደ (1) ወገን ኣብ ማይጨው ብድምር ሰላሳን ተሸዓተን (39) ኣብ ማእኸላት መወሸቢ ዝነበሩን ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን እዮም፡፡
    ሞት
    ሓደ (1) ኣብ ማእኸል መሐከሚ መቐለ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ዝነበሩ ወዲ 76 ዓመት ብቫይረስ ኮሮና ሎሚ ዕለት ሞት ኣጋጢሙ ኣሎ።

ቢሮሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ብዘጋጠመ ሞት ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ ንስድራን ፈተውትን ፅንዓት ተመኒዩ።
ዝድሓኑ
18 ወገናት ካብ መቐለ፣ ሰለስተ ወገናት ካብ ማይጨው፣ ሓደ ወገን ካብ ኣክሱም ብድምር 22 ወገናት ካብ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ዕለት ድሒኖም ናብ ገዝኦም ተፋኒዮም እዮም፡፡

ድምር ክሳብ ሎሚ

ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 27 ሺሕን 501 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 1 ሺሕን 186 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም፡፡

ካብዚኦም 521 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፤ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው እቶም 23 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 4 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና 2 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ፡፡

ብድምር 658 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነው እንትኾኑ ዛጊድ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ 7 ወገናት ሞት ኣጋጢሙ እዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.