Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ካብ 5 ክሳብ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ትምህርቲ ብሬዲዮን ቴሌቪዥንን ካብ ዕለተ ሰኑይ ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ካብ 21 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ንዘለዉ ተምሃሮ ዝኸውን ትምህርቲ ብሬዲዮ ከምዝጅመር ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም  ቫይረስኮሮና ካብ 8 መጋቢት 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓፀዋን ተምሃሮ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ዓርሶም ንኸንብቡ፣ ብመምህራኖም ዝተውሃብዎም ዝተፈላለዩ ዕዮታት ገዛ ንኽሰርሑን ብዓበይቲ ኣሓቶምን ወለዶምን ክሕገዙን ፃዕርታት እንዳተገበሩ ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ሕማም ንምክልኻል ኣብያተ ትምህርቲ ተወሰኽቲ መዓልትታት ተዓፅየን ዝፀንሓ ስለዝኾና ስሩዕ ትምህርቲ ዝወሃበሉ መማረፅታት ብምንዳይ ተምሃራይ ኣብዚ ዝኸፍአ እዋን’ውን እንተኾነ ኣብ ገዝኡ ኾይኑ ንኽመሃር መንግስቲ ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት  ቀፂሎም ንዝተጠቐሱ ሕድ ሕድ ዓይነታት ትምህርቲ ካብ 21 መጋቢት 2012ዓ/ም ጀሚሩ ናይ 20 ደቓይቕ  ብሬድዮ  ዝወሃብ ምዃኑ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ካብ 5 ክሳብ 6 ክፍሊ ንዘለዉ ተምሃሮ እንግሊዘኛ፣ ጥሙር ሳይንስ፣ ሕብረተ-ሰብ ሳይንስን ስነዜጋን ስነምግባርን፤
  • ንተምሃሮ 7 ክሳብ 8 ክፍሊ ድማ እንግሊዝኛ፣ ስነ-ሂወት፣ ሕ/ሰብ ሳይንስ፣ ኬሚስትሪ፣ ፊዚክስን ስነዜጋን ስነምግባርን
  • ካብ 9 ክሳብ 12 ክፍሊ ንዝመሃሩ ተምሃሮ ድማ እንግሊዝኛ፣ ፊዚክስ፣ ኬሚስትሪ፣ ባይሎጂ፣ ጂኦግራፊን ታሪክን
    እዞም ካብ ሪጋ ቑፅሪ 1-3 ዝተገልፁ ክፍልታትን ዓይነታት ትምህርትን ብኹለን ኤፍ ኤምን ብሄራዊ ሬድዮን ድምፂ ወያነ ትግራይ፣ ብDW ሳተላይትን ድህረ ገፅን ከምኡውን ብኤፍ ኤም መቐለ/104.4 ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ንጉሆ ካብ ሰዓት 3፡00 ክሳብ 4፡00 ፤ ከምኡውን ድሕሪ ቐትሪ ካብ ሰዓት 9፡00 ክሳብ ሰዓት 10፡00 ዝመሓላለፍ ስለዝኾነ ብሬድዮን ሞባይልን ኣብዘለኹምዎ ቦታ ኮይንኩም ብኣቓልቦ ክትከታተሉ ይግባእ።
  • ካብ 5 ክሳብ 12 ክፍሊ ንዘለዉ ተምሃሮ ብሬድዮ ዘይመሓላለፉ ዓይነታት ትምህርቲ ብዓርሰ ፃዕሪ ኣቢሎም ክሽፍኑዎም ከምዘለዎም፤
  • ካብ 1 ክሳብ 4 ክፍሊ ተምሃሮ ድማ ብወለዶምን ዓበይቲ ኣሕዋቶምን ስሩዕ ሓገዝ ክግበረሎም ከምኡውን ብቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብማእኸላይ ማዕበል ፍሪኩዌንሲ 1251 ዝመሓላለፍ ፈነወ ትምህርቲ ብሬድዮ ስለዝፍነው በዚ ኣቢልኩም ክትከታተሉ ወለድ’ውን ኣድላዪ ደገፍ ክትገብሩሎም ይግባእ ተባሂሉ።

መምህራን ድማ እዞም ብሬድዮ ዝመሓላለፉ ዘለዉ ዓይነታት ትምህርቲ ብዝግባእ ክትከታተልዎን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ከለዉ ኣብ ሬድዮ ዝተሸፈኑን ካልኦት ቅልል ዝበሉን ዓይነታት ትምህርቲ ናይ ሓፂር ጊዜ ክለሳ ብምግባር ሓፀርትን መጠቓለሊ ፈተናታትን ዝፍተኑ ምዃኖም ምርዳእ የድሊ።

ብሬድዮ ኣብ ዘይመሓላለፉ ዓይነታት ትምህርቲ ድማ ካብቲ ዝተቛረፅሉ ምዕራፍ ጀሚሩ ፅዑቕ ትምህርቲ ብምሃብ ንፈተና ዝቐርቡ ምዃኖም።

ስለዙይ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ኣብ ግምት ብምእታው ወለዲ፣ መምህራንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኩሎም ዓይነታት መኸላከሊ ቫይረስኮሮና  ሕልው ብዝገብር ኣድላዪ ዘበሉ ሓገዛትን ክትትልን ንኽትገብሩን እዚ ዝተፈጠረ ፀገም ንህንፀት ደቅና ክንጥቀመሉን ነተሓሳስብ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.