Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብታ ቀንዲ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝኾነት ግዝኣት ሁበይ ቻይና ቁፅሪ መወትቲ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ተገሊፁ።

ትማሊ 242 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ብምምዋቶም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ምውታት ዝተመዝገበላ ዕለት ኮይና ኣላ ተባሂሉ።

ብዘይካ’ዚ ቁፅሪ ናይቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት’ውን 14 ሺሕን 840 ብምብፅሑ መጠኑ ምስ ሕሉፍ እንትነፃፀር ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ።

መበገሲ እቲ ወሰኽ፥ እታ ግዝኣት ሓድሽ ኣገባብ መርመራ ስለ ዘተኣታተወት ምዃኑ እው ተገሊፁ።

እታ ግዝኣት 80 ሚኢታዊ ግዳያት እቲ ሕማም ዝርከቡላ ኢያ።

ስለዝኾነ ነቶም ምልክታት እቲ ሕማም ዝተርኣዮምን ሲቲ ስካን ገይሮም ኣብ ሳንቡኦም ረኽሲ ዝተርኣዮምን ሰባት ኣብቲ ቁፅሪ ከም ዝድመሩ ገይራ።

እቲ ዝፀንሐ ኣገባብ ግና መርመራ ኒክለይክ ኣሲድ ብምግባር ከም ዝልለ እዩ ክገብር ፀኒሑ።

ካብቶም ብረቡዕ ዝሞቱ 242 ሰባት እቶም 135 በቲ ሓድሽ ኣገባብ መርመራ ዝተለለዩ እዮም።

ስለዝኾነ ብድምር ኣብታ ግዝኣት 48 ሽሕን 206 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

ኣብ ቻይና ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 1 ሺሕን 350 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ብዝሒ ናይቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ድማ ልዕሊ 60 ሺሕ በፂሑ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ቻይና ኣብ ግዝኣት ሁበይ ንዝነበረ ፀሓፊ ኮሚኒስት ፓርቲ ብምልዓል  ኣብ ግዝኣት ሻንጋይ ብዝነበረ ዪንግ ዮንግ ከምዝተከኦ ተገሊፁ።

ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን ብዙሓት ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም እንትእለዩ፥ እዚ ድሕሪ እቲ ለበዳ ኣብ ግዝኣት ሁበይ ዝዓበየ ምልውዋጥ ናይ ሓለፍቲ ምዃኑ ይግለፅ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.